Tsniat Eritreanska föreningen i Sandviken
ዕላማን መትከላትን ማሕበር
1-- ዕላማ ማሕበር ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ካብ ስምዒታት ነጻ ዝኾነ ናይ ሓሳብ መለዋወጢ መድረክ ንምኽፋት፡ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ንምስልሳልን ንምክያድን፡ ንዘጋጥሙ ዝተፈላለዩ ጸገማት ብሓባርን ብውልቅን ንምብዳህ፡ ከምኡ’ውን ዘለው ጸጋታት ንምኽሳብ ንምጥቃምን ይኸውን።
2--ራእይ ማሕበር ኣብ ኣባላቱ ይኹን ካልእ ማሕበራዊ መነባብሮ ስኒት፡ ፍቅሪ፡ ከምኡ’ውን ካብ ስምዒት ነጻ ዝኾነ ሓፈሻዊ ኣፍልጦ ምልውዋጥን ምኽዕባትን ንምጥርናፍ ዝዓለመ ይኸውን።
3-- ማሕበር ዕላማታቱ ንምትግባር ዝኽተሎ ስልቲ፡፡ ምልላይ ርክባት ምክያድ ሓሳብ ምልውዋጥ ርእይቶ ምስማዕ ምጽውዋር ምትብባዕ።
4-- ንጥፈታት ማሕበር እዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፡፡ ኣኼባታት፡ ዘተ፡ ስፖርት፡ ባህላውን ማሕበራውን ርክባት ምክያድ፡ ሓበሬታ ብግቡእ ምዝርጋሕን ካልኦት ኣገደስቲ ማሕበራዊ ንጥፈታት ዘጠቃለለ ይኾኑ።
5-- ማሕበር ንመክሰብ ኣይኮነን፡ ዝኾነ ኣታዊታት ጸጋታት ሓገዝን ንኣባትን ዕላማታትን ማሕበር መተግበሪ ኮይኑ ካልእ ዝኾነ ብማሕበር ዝግበር ዝምድናን ሓገዝን ግን ንመትከላት ማሕበር ዘይጻረር ክኸውን ይግባእ።
6-- ማሕበር ዓላማታቱ ንምትግባር ዝኽተሎ መትከል ኣብ ማሕባራዊ ናብራ ጥራሕ ዘተኮረ ኮይኑ፡ እዞም ዝስዕቡ ሓሳባትን ተግባራትን ግን ማሕበር ፈጺሙ ዘይኣምነልም ዘይብገሰልም ዘይስዕቦም ዘየተግብሮምን ይኾኑ፡፡
7--- ወገንነት ዓላትን ሃይማኖትን ፖለቲካን ምጉስጓስ